ኣብነት ሓያሎ ሃገራት ክትከውን ተስፋ ዝነበራ ኤርትራ፣ ስማ ብዋሕዚ ስደት ክጥቀስ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ዳን ኮነል ገሊጹ

ኣብነት ሓያሎ ሃገራት ክትከውን ተስፋ ዝነበራ ኤርትራ፣ ስማ ብዋሕዚ ስደት ክጥቀስ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ዳን ኮነል ገሊጹ

Radio Erena: 10 November 2014

Dan Connell

ኣብነት ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን ትጽቢት ዝተንበርላ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ስማ ብዋሕዚ ስደት ክጥቐስ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ፣ ካብ 1977 ኣትሒዙ ምስ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን ደራስን ዳን ኮነል ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ዳን ኮነል፣ ደሃይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓለም ንኽቃላሕ ካብ 1979 ኣትሒዙ ናብ ዓበይቲ ናይ ዓለምና ጋዜጣታት ጸብጻባት ይልእኽ ምንባሩ ብምዝኽኻር፣ እታ ሓደ እዋን፣ ኣብነት ብቃልሲ ናይ ዝተዓወቱ ውጹዓት ክትከውን ተስፋ ዝነበራ ኤርትራ ፣ ብሰንኪ ዝነገሳ ምልኪ፣ ተስፍኣ ጸልሚቱ ምህላዉ’ውን ኣረዲኡ።

 

ኣብ 2001 መንግስቲ ኤርትራ ምልካዊ ምዃኑ ዘመስከረ ፍጻሜታት ክገሃድ ኣብ ዝጀመረሉ፣ ከም ኩሎም እቶም ምስ ኤርትራ ምትእስሳር ዝነበሮም ወገናት ንሱ’ውን ምስ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መርበብ ሓበሬታን ኣስማሪኖን ቃለ መጠይቕ ድሕሪ ምክያዱ፣ ካብ ኤርትራ ክወጽእን ደጊሙ ናብ ኤርትራ ከይመለስን ከምዝተነግሮ’ውን ብዝርዝር ጠቒሱ።

ካብ 2002 ንደሓር ናብ ኤርትራ ክምለስ ዕድል ዘይረኸበ ደራስን ጋዜጠኛ ዳን ኮነል፣ ምስቶም በብእዋኑ ከዘራርቦም ዕድል ዝረኸበ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ነበር ዘካየዶ ዕላላት ዝሓቖፈት Conversations with Eritrean Political Prisoners መጽሓፍ ኣብ 2005 ከምዘሕተመ’ውን ኣረዲኡ።

ቅድሚ’ዛ መጽሓፍ እዚ፣ ዳን ኮነል፣ Against all Odds ኣብ 1993፣ Rethinking Revolution ኣብ 2001፣ Eritrea: A Country Handbook ኣብ 2002፣ ዘርእስታተን ሰለስተ መጻሕፍትን፣ እኽብካብ ጽሑፋት ዝሓቖፋ Taking on the Superpowers ከምኡ’ውን Building a Nation ክልተ መጻሕፍትን ካልእ ሓያሎ ጽሑፋትን ብዛዕባ ኤርትራ ከምዘዳለወ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ፈቀድኡ ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝርከብሉ መዓስከራት ስደተኛታትን ሓያሎ ሃገራትን እናተዘዋወረ፣ ሃለዋት እታ ከይምለሳ ዝተነግሮ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምጥቃቕ ዝርከብ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል፣ ብዛዕባ’ዚ ሃገር ተስፍኣ ኣጸልሚቱ ዝርከብ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን መጽሓፍ ንምድላው መደብ ከምዘለዎ’ውን ኣሚቱ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘተ ዝርርብን ዘካየደ ዳን ኮነል ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣትሒዙ ከኣ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢጣልያን ፈረንሳ ወደባዊት ከተማ ካሌን ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንጠንቕን ተሞክሮታትን ስደቶም ብምልከት ዝርርብ ኣካይዱ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦስቶን ከም ተመራማርን ኣዳላዊ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዳን ኮነል፣ ለውጢ ግድነት ስለዝኾነ፣ ኣብ ኤርትራ’ውን ሓደ እዋን ለውጢ ክህሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0