ኣብቲ ምስ ብሪጣንያ ዘዳው ካሌ ናይ ፈረንሳ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት በስገዳድ ክእለዩ ከንቲባ እታ ከተማ ሓቲታ

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊ ከተማ ካሌ ኣብ ጎደናታት ዝሓደሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ናይ ምጽራግ መስርሕ ክካየድ ከንቲባ እታ ከተማ ምጽውዓ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሩር ተቓውሞ ገጢሙዋ።

 

እታ ናታሻ ቡሻርት ዝተባህለት ከንቲባ ናይታ ምስ ብሪጣንያ እትዳወብ ከተማ ካሌ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቶም ኣብ ጎደናታትን ሰብ ኣብ ዘይነብሮ ህንጻታትን ዝሓድሩ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ ከተማና ክምሓዉ ኣለዎም ምባላ፣ ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቝጢዑ።

ንሳ እቶም ኣብ ጎደናታት ናይታ ከተማን እብ ፍርስራስ ህንጻታትን ዝሓደሩ ስደተኛታት ንሰላምን ጽባቐን ከተማና ደዊኖሞ ኣለው ክትብል’ውን ተዛሪባ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ፣ ብትእዛዝ እታ ከንቲባ፣ ልዕሊ 70 ኤርትራውያን 200 ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ካብቲ ብግዝያውነት ኣጽሊሎምሉ ዝጸንሑ ማእከል ካሌ ክእለዩ ከምዝተገበረ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ኤክስፕረስ ድማ እቲ መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኤርትራ ካብ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሶርያ፣ ቱኒዝያን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ኣማኢት ስደተኛታት፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብቲ ን ፈረንሳን ብሪጣንያን ዘዋስን ዞባ ክሌ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ኣብ ጎደናታት ከምዝሓደሩ’ዩ ዝግለጽ።

ብሪጣንያን ፈረንሳን ብዝተኣታተውኦ ሓድሽ መስርሕ ፍተሻ ድማ፣ በዚ መንገዲ’ዚ ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝሰግሩ ቁጽሪ ስደተኛታት እናወሓደ ይመጽ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0