ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘካየድዎ ዋዕላ ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ

ወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘካየድዎ ዋዕላ ብዘይ ፍረ ብምዝዛሙ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዳግማይ ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ።
    ኣብቲ ንልዕሊ 7 ሰዓታት ዝቐጸለ ክትዕን ዘተን፣ ነዚ ብማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቕካ ዝግበር ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ደው ንምባል ዝቐረበ እማመታት ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ብዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ’ዩ ዝግለጽ።

    ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ነዚ ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ እማመ ብትሪ ከምዝቃወሞ ብላዕለዋይ ወኪሉ ኣቢሉ ኣፍሊጡ።
    ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ፒተር ሱዘርላንድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ 28 ዝኣኽላ ሃገራት ኤውሮጳ መብዛሕትኦም ካብ ሶርያን ኤርትራን ንዝመጹ 60 ሽሕ ስደተኛታት ክቕበላ ዘይምኽኣለን ዘሕፍር’ዩ ክብል ገሊጹዎ።
    ብፍላይ’ቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምቛም ዋሕዚ ስደተኛታት ምግታእ ዝብል እማመ፣ ፍጹም ክሕሰብ’ውን ዘይነበሮ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ፈለማ ንስደተኛታት ከም ገበነኛታት ምርኣይ ደው ክብል፣ ሱር መበገሲ ስደት ዝኸውን ዘሎ ጸገማት ምልላይ፣ ኣብ መጀመርያ ክቕመጥ ዘለዎ ነጥቢ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0