ኣባላት ፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ብዘይዝኾነ ገበን ንዝሓዝዎም ኤርትራውያን ክሳብ 10 ሽሕ ብር ጉቦ እናኽፈሉ የውጽእዎም ምህላዎ ተቓውሊዑ

Radio Erena: 11 October 2021

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያን፣ ኤርትራውያን ምእንቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ብኣባላት ፖሊስ ይእሰሩ ምህላዎም፣ ኣባላትን ወደብትን ኮሜቴ ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዬጵያ ወቂሶም።

ንሳቶም ነዚ ወቐሳ ዘቕረቡ፣ ብዝዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፣ ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ’ዮም።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትርከበን ከተማ ኢትዮጵያ፣ ብሓይልታት ጸጥታ፣ ብፍላይ ብኣባላት ፓሊስ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ንዝተዳጎኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኽወጹ ፣ ክሳብ 10 ሽሕ ብር ብላዕ (ጉቦ )ይሓትዎም ምህላዎም’ዩ ኣብቲ ዘተ ተገሊጹ።

እቶም ገሊኦም ብኡ ንብኡ ዝተሓተትዎ መጠን ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ እንከለዉ፣ እቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ግና ካብ ደገ ከዋጽእሎም ከምዝሓቱ’ዩ ተመልኪቱ።

እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ኢትዮጵያ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ፣ ኣባላትን ወደብትን ኮሜቴ ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዬጵያ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት፣ ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ዝሓለኑ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ቱሊ -ዲምቱ ኣብ ዝርከብ ኬላን መፈተሺ ነቑጣን፣ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ እቶም ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲ ካብ ስደትን (ARRA) ዝተመዝገቡ እኳ እንተኾኑ፣ እዞም ትካላት ንማእሰርቲ እዞም ኤርትራውያን ብዕቱብ ከምዘይከታተልዎ’ዩ ተሓቢሩ።

ገሊኦም ካብቶም ዝተኣስሩ፣ ብግዱሳት ኤርትራውያን፣ ብተሓለቕቲ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዎ፣ ብዙሓት ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ መደበራትን ነቝጣታትን ፓሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማሕዩር ምህላዎም ይፍለጥ ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዩጵያ፣ ንዝኸተመሉ መትከላትን ዓንቐጻትን ውዕል ስደተኛታ ሕቡራት ሃገራት ከተግብርን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደልን ቆላሕታ ክግበረሉን፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ ጸቕጢ ከሓይል፣ ኣባላትን ወደብትን ኮሜቴ ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዬጵያ ኣብ መወዳእታ ለበዋ ኣሕሊፎም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0