ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም

Radio Erena: 29 March 2017

Uk

ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ፣ ብሰሉስ 28 መጋቢት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም።

እቶም ኣባላት ፓርላማ፣ ካብ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ካልኦትን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ብምዕዳም’ዮም ነቲ ዘተ ኣካይደሞ።

ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዜጋታቱ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብብዝሒ ዑቕባ ይሓቱ ምስ ምህላዎም፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተፈላለየ ዘተ ከካይዳ ጸኒሐን’የን።

 ኣቐዲሞም’ውን ኣባላት ፓርላማ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ፈረንሳን ስዊዘርላንድን ተመሳሳሊ ናይ ዘተ መኣዲ ከምዘካየዱ በብእዋኑ ተገሊጹ’ዩ።

ካብ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምህዳም፣ ባሕርን ሰሃራን ሰጊሮም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለው ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት’ዩ ዝስራዕ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0