ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም

Radio Erena: 23 September 2018

addisaba     ሓያሎ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 

     እዞም ብሽዱሽተ ላንድ ክሩዘር ዝዓይነተን መካይን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዘለዉ ኣባላት ጸጥታ፣ ዝርዝር ኣስማት ናይ ዝደልዩዎም ሰባት ሒዞም ከምዘለዉ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘመልክት።

 

 

 

     

     ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ቁጽሪ’ቶም ኣባላት ጸጥታ ልዕሊ 20 ምዃኑ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ኣብ ፍሉያት ከባቢታት ክንቀሳቐሱ ምዃኖምን እዩ ዝግለጽ። ቀንዲ ተልእኾ’ዞም ጸጥታ፣ ኣገደስቲ ንዝበልዎም ኤርትራውያን ኣብ ምድላይ ክዋፈሩ፣ ነቶም ድሮ ኣድራሽኦም ፈሊጦሞም ዘለዉ ከኣ ብዘይድሌቶም ማለት ጨውዮም ናብ ኤርትራ ክመልስዎም እዮም ዝብል ገምጋም ከምዘሎ ምንጭታትና ብተወሳኺ የረድኡ።

     እዘን ቀንዲ ዒላማ ኮይነን ዘለዋ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ሃያ ሁለት፣ ጎፋ መብራት ሃይል፣ ጆሞን ከባቢኡን ብጻዕቂ ኤርትራውያን ዝቕመጡዎ ከባቢታት ምዃነን ተፈሊጡ’ሎ።

     እዞም ንጭውያ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ዝሕበር ዘሎ ኣባላት ጸጥታ ምኩራትን፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስለያን ጸጥታን ዝሰርሑ ገዳይም ምዃኖም ምንጭታትና ብተወሳኺ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0