ኣባላት ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ስምምዕ ኣስመራ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል መራሕቲ ናይቲ ግንባር ክእለዩ ጸዊዖም

ኣባላት ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ስምምዕ ኣስመራ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል መራሕቲ ናይቲ ግንባር ክእለዩ ጸዊዖም

Radio Erena: 06 October, 2014

Esatren leader

ኣባላት ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ነቶም ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ መንግስቲ ሱዳን ስልጣን ዝተመቃርሑ ሓለፍቲ ካብቲ ግንባር ክእለዩ ከምዝጠለቡ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢረን።

ኣፈኛ ናይቲ ግንባር ዑመር ሓሰን ንሬድዮ ዳባንጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ድሕሪ ስምምዕ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ዝርከቡ መራሕቲ ናይቲ ግንባር ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ረብሓ ናይቲ ግንባር ንላዕሊ ውልቃዊ ረብሓታቶም ኣቐዲሞም ምህላዎም ካብ ኣባላት ምዕዝምዛም ይስማዕ ምህላዉ ተኣሚኑ።

መራሕቲ ግንባር ምብራቕ ሱዳን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ፣ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሌ.ኮለነል በክሪ ሓሰን ሳልሕ፣

ሚኒስተር ሃብቲ እንስሳ መብሩክ ሙባረክ ሳሊምን ሚኒስተር ዓቕሚ ሰብ ኣምና ድራርን ካብ ኣባላት ናይቲ ግንባር ክስገጉ ኣባልት ምብራቕ ሱዳን ይጽውዑ ምህላዎም’ውን ጠቒሱ።

ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ብፍላይ ቤጃን ራሻይዳን እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ እብ ግብሪ ኣውዓለን ብዝብል ሓያሎ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝወደቡ ይዝከር።

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከሰላን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዝንቀሳቀሱ መብዛሕቶም ካብ ቤጃን ራሻይዳን ብዝተኣኻኸቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝቖመ ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ እቲ ኣብ ጥቕምቲ 2006 ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓልን ክብል ተቓውምኡ ከስምዕ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0