ኣባላት ጂ.7፣ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ንዝበሃል ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብናጻን ግሉጽነትን መርመራ ክካየደሉ ጸዊዐን

Radio Erena: Friday, 04 April 2021

ብጂ.7 ዝፍለጣ፣ ብቁጠባ ሓያላት ዝኾና ሃገራት ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ንዝበሃል ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብናጻን ግሉጽነትን መርመራ ክካየደሉ ጸዊዐን።
እተን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳን ካልኦት ቁጠባዊ ጽልዋ ዘለወን ሃገራትን ብሓባር ኣብ ዘውጸኦኦ መግለጺ፣ እቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ዘመዛበለ፣ መቕዘፍቲ ዓበይትን ነኣሽቱን ዘኸተለ ኲናት፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ከምዝተወደአ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ግና በብመኣዝኑ ይቕጽል ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ጃፓን፣ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣብቲ መግለጺ ክታሞም ኣንቢሮም ኣለዉ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት፣ ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ክሓስቡ፣ ኣህጉራዊ ሕጊን ሰብኣዊ መሰልን ከኽብሩ ይጽውዕ።
ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ምስምማዓ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብዘይወዓል ሕደር ክትግበር ዘለዎ ስጉምቲ ምዃኑ ዘስመረ እቲ መግለጺ፣ ናይቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ከኣ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ክሕተተሉ ጸዊዑ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0