ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ንስደተኛታት ብዝምልከት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ደብዳበ ልኢኾም

ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ንስደተኛታት ብዝምልከት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ደብዳበ ልኢኾም

Radio Erena: 01 April 2018

congress_usኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ንጉዳይ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብዝምልከት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ደብዳበ ልኢኾም።

እቲ ብጸሓፊት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ናንሲ ፐሎሲ ተመሪሑ ኣብ እስራኤልን ዮርዳኖስን ዑደት ዘካየደ ልኡኽ ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ኣብ ደብዳቤኡ፣ ኣብ ሳህሮኒም ተቐዪዶም ዘለዉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ናጻ ክወጹ ንበንያሚን ናታንያሁ ጸዊዑ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ገለ ስደተኛታት ኣብ ዝተዘራሪበሉ፣ ብዛዕባ’ቲ ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝገደዶም ምኽንያት ብዝርዝር ከምዘረድኡዎ ይገልጽ።

እቶም ኣባላት ኮንግረስ ሓደ መዓልቲ ምስ ናታንያሁ ምርኻቦም ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ንምጥራዝ ስደተኛታት ገቲኡዎ ስለዘሎ፣ እቲ መንግስቲ ስደተኛታት ክኣስር ሕጋዊ ባይታ የብሉን ይብል።

መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ብፍታዎም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክፋነዉ እቶም ዝኣበዩ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክቕይድ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ሓያሎ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ተሪር ነቐፌታ ይወርዶ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0