ኣቕሽሽትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 200 ነበርቲ ባድመ፣ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ተኣሲሮም ይርከቡ

Radio Erena: 19 February 2021

ኣቕሽሽትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 200 ነበርቲ ባድመ፣ ኣብ ከባቢ በረንቱ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ካብ መፋርቕ ወርሕቲ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ፣ ልዕሊ 400 ዝኾኑ እሱራት ካብ ባድመ ብመካይን ተጻዒኖም፣ ናብ ባረንቱ ከምዝመጹ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እቶም ኣስታት 200 ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ፕሪማ ካንትሪ ክተርፉ እንከለዉ እቶም ካልኦት ግና ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናበይ ከምዝተወስዱ ክፈልጡ ከምዘይክኣሉ ኣመልኪቶም።

ይኹን’ምበር ናብ ካልእ ኣብያተ ማእሰርቲ ተሰጋጊሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምታት ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0