“ኣስታት 70% ናይቲ ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬትና ኣምሊስና ኢና፣ ዝተረፈ ንምምላሱ ድማ ሰራዊትና ግቡኡ ይፍጽም ኣሎ።” ሚኒስተር ዜና ሱዳን

Radio Erena: 28 December 2020

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ጸጸኒሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ሰራዊት ሱዳን ንዝበዝሐ ክፍል ናይቲ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ መሬት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ዜና ሱዳን፣ ፈይሰል ሳልሕ፣ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ዛጊት ካብ 60 ክሳብ 70% ናይቲ ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬት፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን ከምዘሎ ገሊጹ።

‘ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ዘተ ኢና ንኣምን’ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፣ ተሪፉ ዘሎ ክፋል መሬትና ንምምላስ ግና ሰራዊትና ግቡኡ ይፍጽም ኣሎ ክብል ጠቒሱ።

ሱዳን፣ ብኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተፈነወላ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዝወሰደቶ ግብረ መልሲ’ያ፣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ዞባ ኣልፋሽጋ ንዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከምዘእተወቶ ትሕብር ዘላ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት፣ ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢታት መተማን ጎንደረን ከምዝተበታተኑ ይግለጽ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጸጸኒሑ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ናብ ምሉእ ኵናት ከይዓርግ’ዩ ተሰጊኡ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ብዝምልከት ዝርዝራዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ምስ ሱዳን ንዘሎ ጸገም ብዘተ ንምፍታሑ ጻዕርታት ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተጎሃሂሩ ዘሎ ውጥሪ፣ ናብ ምሉእ ኵናት እንተዓሪጉ፣ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ኤርትራን ግብጽን በብረብሐአን ኢደን ክሕውሳ ከምዝኽእላ ተንተንቲ ይእምቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0