ኣስታት 40 ነበርቲ ዛላምበሳ፣ ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ብምስጋር ናብ ሰርሓ በጺሖም

ኣስታት 40 ነበርቲ ዛላምበሳ፣ ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ብምስጋር ናብ ሰርሓ በጺሖም

Radio Erena: 27 August 2018

40 Tigrians

መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ወለድን መንእሰያትን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ነበርቲ ምብራቓዊ ትግራይይ፣ ዛላምበሳን ከባቢኣን ነቲ ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ሓጹር ዶብ ብምስጋር፣ ሰርሓ ናብ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ከምዝበጽሑ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

እቶም ካብ ከባቢ ጎሉ መኸዳ ዝተዋጽኡ ወከልቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ሎሚ 27 ነሓሰ ናብ ሰርሓ ብእግሮም ተጓዒዞም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ሰራዊትን ነበርቲ እታ ዓድን ድሙቕ ኣቀባብላ ጌሮሙሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን 10ታት ነበርቲ ከባቢ ራማ፣ ዶብ ብምስጋር ኣብ ክሳድ ዒቓ ምስ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ርክብ ከምዘካየዱ ይፍለጥ።

እዞም ናይ ከባቢ ራማን ዛላምበሳ ወከልቲ፣ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ብምቑራጽ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ናይ ፈለማ ኢትዮጵውያን ኮይኖም ኣለዉ።

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0