ኣስመራ፣ 6 ኢጣልያውያን መማህራን ሓደ ቆልዓን ብስግኣት ኮሮና ቫይረስ ተወሺቦም

Radio Erena: 05 March 2020

ኣስመራ፣ 6 ኢጣልያውያን መማህራን ሓደ ቆልዓን ብሰንኪ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ ተወሺቦም ምህላዎም ተሓቢሩ።

እቲ ቆልዓ ወዱ ንሓደ ካብቶም መማህራን ናይታ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

እቶም ኢጣልያውያን፣ ንናይ ዕረፍቲ እዋን ገይሾም ካብ ዝነበርሉ ሃገሮም ብ29 ለካቲት ተመሊሶም፣ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ፣ ብኡ ንብኡ ክውሸቡ ከምዝተወሰነን፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ከምዝተወስዱን ምንጭታት ኢጣልያ ጠቒሶም።

ተወሺቦምሉ ዘለዉ ክፍልታት ንጹህ እኳ እንተኾነ ናይ ዓይኒ ምድሪ ጸገማት ከምዘለዎም ግና እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ብሰበ ሞያ ጥዕና ኤርትራ ግቡእ ክንክን ይካየደሎም ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም መማህራን፣ ምስ ኤምባሲ ሃገሮም’ውን ቀጻሊ ይገብሩ ምህላዎም ሓቢሮም።

ኢጣልያ፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝበዝሐ ግዳያት እዚ ሕማም ዘለዋ ኮይና፣ ልዕሊ 3 ሽሕ በቲ ቫይረስ ክጥቅዑ እንከለዉ ልዕሊ 105 ድማ ከምዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0