ኣስመራ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሱ ኣዴታት ዝርከብኦም ሓያሎ ሰባት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ተኣሲሮም

Radio Erena: 22 November 2022

ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ዝቐነዩ ኣዴታት ዝርከብኦም ሓያሎ ሰባት፣ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተመልስሉ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተኣስሮም ተወሲዶም።

ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኣስሩ ምዃኖም ዘረጋገጹ ምንጭታት ኤረና፣ ብ09 ሕዳር ድማ ኣርባዕተ መንእሰያትን ሓንቲ ኣደን ብተመሳሳሊ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብኣባላት ጸጥታ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ ገሊጾም።

ዝተኣስርሉ ምኽንያት ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም፣ ርክባት ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ፣ ምዝርጋሕ ካብ ኣስመራ ዝተወስደ ኣሳእል ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ምዝርጋሕ ኣብ ኤርትራ ዝተኸልከለ መዛሙርን ደርፍታትን፣ ምውህላል ናይ ወጻኢ ሸርፊን ካልእን የሰላስሉ ኣለዉ ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ምክትታል ይካየድ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ምስዚ ኣተኣሳሲሮም ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ጠቒሶም።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0