ኣስመራ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብብሽክለታን ካሮሳን ይትካእ ኣሎ

Radio Erena: 21 December 2020

ኣብ ኣስመራ፣ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል፣ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን ታክስን ደው ምባሉ፣ ህዝቢ ብሽክለታ፣ ካሮሳን ዓረብያን’ዩ ዝጥቀም ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብወግዒ ዘንበሮ ኣዋጅ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርትን ምዕጻውን ብወግዒ ከየልዓሎ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቕጺሩ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ህዝቢ፣ ነቲ ዝተናወሐ ኣዋጅ ብምጥሓስ ዕለታዊ መነባብርኡ ንምእላው ኣብ ዝጋደለሉ ዘሎ ግዜ፣ ሓደ ካብ ዓበይቱ ብድሆታት መጓዓዝያ ኮይኑ ምህላዉ ይጥቀስ።

ህዝቢ፣ ነዚ ነዚ ከመተካእታ፣ ብሽክለታ፣ ብኢድ ዝድፋእ ዓረብያን ብፈረስ ዝጎተት ካሮሳን ከም ኣማራጺ ክጥቀመሉ’ዩ ዝርአ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፣ ብዝሒ ሓደጋታት ብሽክለታ የጋጥም ምህላዉ መዓልታዊ ዝቐረብ ዘሎ ሓበሬታ’ዩ።

ህዝቢ፣ ናብ ዕዳጋ፣ እንዳጠሓኒት፣ ሕሙማት ምምልላስ፣ መርዓን ካልእን ብብዝሒ ዝጥቀመሉ ዘሎ መጓዓዝያ፣ ብልምዲ ካሮሳ እናተባህለ ዝጽዋዕ፣ ብፈረስ ዝጉተት ዓረብያ’ዩ።

ኣስመራ፣ ስእነት ማይን ኤሌክትሪን ተደሚሩዋ፣ ዓረብያ ፈረስን ካሮሳን ብብዝሒ ክመላለሱ እናኽትርኢ፣ ኣብ 21 ክፍለዘመን እትርከብ ዘይኮነት፣ ምዕባላ ዝጎሰያ ጥንታዊት ከተማ’ያ መሲላ ክብሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ጠቒሶም።

ስእሊ፣- ካብ ገጻት ፌስቡክ

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0