ኣርጀንቲናዊ ኣጥቅዓይ ሊዮነል መሲ፡ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ብምዃን ተሸሊሙ

Radio Erena: 01 March 2023

ኣጥቅዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ፈረንሳዊት ክለፕ ፒ.ኤስ.ጂ.’ን ዝኾነ ሜሲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ብምዃን ተሸሊሙ።

ብሰኑይ 27 ለካቲት ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት፡ እቲ ምዕዳል ሽልማት ብሓድሽ መንገዲ ክካየድ ድሕሪ ምጅማሩ ን2ይ ግዚኡ እዩ ተዓዊትሉ።

እዚ ብኣሰልጠንትን ሓለቓ ሃገራውያን ጋንታታትን፡ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታትን ደገፍትን ብዝገብርዎ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ዝካየድ ሽልማት፡ ወዲ 35 ዓመት መሲ ንሃገራዊት ጋንትኡ ኣርጀንቲና መሪሑ ብዝተጎናጸፎ ዓወት እዩ፡ ነዚ ብፊፋ ዝወሃብ ስልማት በቒዑ።

“ንነዊሕ እዋን ዝምነዮ ዝነበርኩ ሕልሚ ረኺበ” ዝበለ ሜሲ “ናይ ኩሉ ተጻዋታይ ሕልሚ እዩ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት እዮም ግን ዝበጽሕዎ፡ ናብኡ ብምብጽሐይ ዕድለኛ እየ” ክብል ሓጎሱ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ተጻዋቲት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝኾነት፡ ጓል 29 ዓመት እንግሊዛዊት ኢርፕስ ዝበለጸት ጓል ኣንሰይቲ ተጻዋቲት ክትስመ እንከላ፡ ኣሰልጣኒ ሊዮነል ስካሎኒ ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ደቂ ተባዕትዮ ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ሳሪና ዊግማን ከኣ ዝበለጸት ኮይና ኣላ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ፍጹም ቅላዕ ዘድሓነ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ክለብ ኣስቶንቪላን ማርቲነዝ ድማ፡ ዝበለጸ ሓላው ልዳት ናይ ዓመተ 2022 ኮይኑ’ሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0