ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ካብ ዝጨወዮም ልዕሊ 80 ኤርትራውያን፣ ኣስታት 14 ኣምሊጦም

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ካብ ዝጨወዮም ልዕሊ 80 ኤርትራውያን፣ ኣስታት 14 ኣምሊጦም

Radio Erena: 25 June 2015

Isis

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ብ4 ሰነ 2015 ካብ ዝጨወዮም ልዕሊ80 ኤርትራውያን ዛጊት እቶም ኣስታት 14 ካብ መፈንጠራ እቲ ጉጅለ ከምዝምለጡ፣ ሓደ ካብኣቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ምእንቲ ድሕነቱ ስሙ ዓቒብናሉ ዘሎና ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ ፈለማ ብዳዒሽ ክተሓዙ እንከለዉ 130 ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፣ 22 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 87 ኤርትራውያን ካብኣቶም ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ዜጋታት ሶርያ ምንባሮም ምስክርነቱ ሂቡ።

እንተኾነ እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ፣ በብሃይማኖት እናፈላለየ ነቶም ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ዜጋታት ሶርያን ሽዱሽተ ኤርትራውያንን ብኡ ንእቡ ክለቆም እንከሎ፣ ነቶም ኣስታት 80 ዝኾኑ ኣመንቲ ክርስትና ግና ጨውዩ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰዶም’ውን ሓቢሩ።

 

ብለይቲ እናተጓዓዙ እንከለዉ ካብ መኪና ብምዝላል ምስ ሓሙሽተ ብጾቱ ከምዝሃደመ ዝሓበረ እቲ መንእሰይ፣ ዳዒሽ ድሕሪ ዝኸፈትሎም ቶኵሲ ተበታኦኖም፣ እብዚ እዋን’ዚ ደሃይ ናይቶም ምስኡ ዝሃደሙ ኣርባዕተ መንእሰያት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ብሓገዝ ሱዳናውያን ሊብያውያንን ኣብ ጥራብሎስ ድሕሪ ምብጻሑ፣ ካብ መፈንጠራ እቲ ጉጅለ ዝሃደሙ ኣስታት 14 ሰባት ከምዝረኸበ’ውን ጠቒሱ ኣሎ።

ናይቶም ብዳዒሽ ተታሒዞም ዘለዉ 10ታት ኤርትራውያን ሃለዋት’ውን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ኣቐዲሙ 28 ስደተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዘሰካሕክሕ ኣገባብ ዝቐተለ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ኣብ ምስግጋርን ምጭዋይን ስደተኛታት ተዋፊሩ ሚልዮናት ዶላራት ይእክብ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

NB-ካብ መፈንጠራ ዳዒሽ ምስ ዘምለጡ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0