ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ነበር፣ ብኣልሸባብ ንዝተታሕዘ ኣባል ስለያ ሃገሩ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ይሰርሑ ምንባሮም ተኣሚኑ

ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ነበር፣ ብኣልሸባብ ንዝተታሕዘ ኣባል ስለያ ሃገሩ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ይሰርሑ ምንባሮም ተኣሚኑ

Radio Erena: 23 February 2015

Roge Au

ካብ 2009 ክሳብ 2012 ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሮዠ ኡክ (Roger Auque) ፣ ብኣልሸባብ ተታሒዙ ንዝነበረ ኣባል ስለያ ፈረንሳ ደኒ ኣሌክስ ንምፍታሕ ምስ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ይሰርሑ ምንባሮም ተኣሚኑ።

እቲ ኣብ መስከረም 2014 ብሰንኪ ሕማም ብሞት ዝተፍልየ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ፣ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዘዳለዎ ንታሪኽ ህወይቱ ዝገልጽ ባዮግራዊፊ’ዩ ነዚ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ዝተቓልዐ ኣብ መንጎ ኣባላት ስለያ ፈረንሳን ኤርትራን ዝነበረ ርክብ ዝተኣመነሉ።

ኣምባሳደር ሮዠ ኡክ፣ ኣብ መጽሓፉ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2009 ከም ኣምባሳደር ኮይኑ ናብ ኤርትራ ዝተመደበሉ ሓደ ምኽንያት፣ ብሽበራውያን ጉጅለታት ንዝተታሕዙ ፈረንሳውያን እስራኤላውያንን ንምፍታሕ ብዝነበሮ ሕሉፍ ተሞክሮታት ኣብቲ ናይ ሶማል ጉዳይ’ውን ምስታ ምስ ኣልሸባብ ቅርበት ኣለዋ እትብሃል ኤርትራ ብምትሕብባር ክሰርሕ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብሃንደበት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝወደቐት ናይ እስራኤል ነፋሪት ንዝነበሩ ክልተ እስራኤላውን ንምፍታሕ’ውን ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ተታሒዞም ዝነበሩ ክልተ እስራኤላውያን፣ በጻሕቲ ሃገር ምዃኖም እኳ እንተገለጹ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ክኣምኖም ብዘይምኽኣሉን ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኤርትራ ብምእታዎም ከምዝተታሕዙ ዝዝከር’ዩ።

ካብ ሓምለ 2009 ብኣልሸባብ ተታሒዙ ዝነበረ ኣባል ስለያ ፈረንሳ ዴኒ ኣለክስ ንምፍታሕ ብመንገዲ ኤርትራን ጻዕርታት እናተገብረ እንከሎ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጥሪ 2013 ብዘካየዶ ሃንደበታዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ከምዝተቐትለ ይዝከር።

ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ነበረ ሮዠ ኡክ ኣባል ስለያ እስራኤልን ሲኣይኤን ምንባሩ፣ ኣብታ ንታሪኽ ህይወቱ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ኣሎ።

AmbaAuque

ኣምባሳደር ኡክ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ፎርቶ ብሰራዊት ዝተኻየደ ናይ 21 ጥሪ ፍጻሜ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ቃለ መጠይቕ ምክያዱ’ውን ይዝከር።

ካብ 2009 ክሳብ 2012 ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ ሮዠ ኡክ ብሰንኪ ሕማም ናይ ኤርትራ ተልእኽኡ ኣቛሪጹ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ ነታ ንታሪኽ ህይወቱ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣዳልዩ።

ኣብ መበል 58 ዓመት ዕድምኡ ዝሞተ ሮዠ ኡክ፣ ጋዜጠኛ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1987 ኣብ ቤሩት ብሖዝቡላህ ተጨውዩ ምንባሩን ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ፣ ብመንጎኝነት መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ቐዛፊ ብዝተኸፍለሉ ገንዘብ ከምዝተለቐን’ውን ብዝርዝር ኣስፊርዎ ኣሎ።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ድማ’ዩ ኣባል ስለያ እስራኤል ማለት ሞሳድ ተቆጺሩ ብሕቡእ ይሰርሕ ምንባሩ ዝጠቐሰ።

እቲ ኣምባሳደር ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ ምዃኑ’ውን ይዝረበሉ’ዩ።

ሮዠ ኡክ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱ ዘዳለዎ መጽሓፍ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምዝርግሓ ውልቃውን ፖለቲካውን ምስጢራት ኣቃሊዓ ብምህላዋ’ውን ናይ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣተኩሮ ስሒባ ትርከብ።
===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0