ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ መጥቃዕቲ ወሪዱዎ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ መጥቃዕቲ ወሪዱዎ

amba fetsahatsionኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፣ መንነቶም ካብ ዘይተፈልጡ ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ፣ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ ኢጣልያ ሓቢረን።

       እቲ ኣምባሳደር፣ ብዕለት 5 ሓምለ ምሸት ከባቢ ሰዓት 11 ኣብ ከተማ ሮማ ካብ ሓደ ቤት መግቢ ኣብ ዝወጻሉ ዝነበረ እዋን ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደ ተገሊጹ።

 

       ፖሊስ ኢጣልያ በቲ መጥቃዕቲ ንዝጠርጠሮም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ድሕሪ ምቕያድ፣ ነቶም ክልተ ብኡ ንብኡ ክፍንዎም እንከሎ ንሓደ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዩዎ ኣሎ። ብመሰረት ካብ ፖሊስ ኢጣልያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ተሓባበርቲ ናይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ኤርትራዊ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ገና ኣብ ምድላይ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

       ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ኡምበርቶ ዝተባህለ ፖሊክሊኒክ ሕክምናዊ ረዲኤት ተገይሩሉ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ክሓውይ ከምዝኾነ’ዩ ተገሊጹ።

       እንተኾነ ምስቲ ኣምባሳደር ዝነበረ ውልቀሰብ ከቢድ ናይ ርእሲን መንጋጋን ማህረምቲ ስለዝወረዶ ኣብ ጽኑዕ ሕክምናዊ መርመራ ከምዝርከብ ፖሊስ ከተማ ሮማ ሓቢሩ። መንነት ናይቲ ውልቀሰብ እዚ ዜና’ዚ ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ እዋን ኣይተገልጸን።

       ፖሊስ ከተማ ሮማ መንነት ናይቲ ውልቀሰብ ብምስጢር ክሕዘሉ ዝደለየ ምኽንያት፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ጥርጣረ ኣሎ።

       ነቲ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ ዘሎ ወዲ 34 ዓመት ምዃኑ ዝተነግረሉ ኤርትራዊ ናይ ጠበቓን ካልእ ወጻኢታትን ንምሽፋን፣ ድሮ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ገንዘብ ከዋጽኡ ጀሚሮም ከምዘለዉ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

       ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናቱ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ጽልኢ እንዳዓረገ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሓደ ናይ መዘናግዒ ህዝባዊ ቦታ ዝረኸቡዎ ኤርትራውያን፣ ክሳብ ናብ ሆቴሉ ዝኣቱ ደድሕሪኡ ብምኻድ ጸርፍን ዘለፋን ከምዘውረዱሉ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0