ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን ካብ ጋዜጠኛታት ፈረንሳ ብድሆ ገጢምዋ

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን ካብ ጋዜጠኛታት ፈረንሳ ብድሆ ገጢምዋ

Radio Erena: 17 October,2014

Amba Hana

ትማሊ ሓሙስ 16 ጥቕምቲ ምሽት ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ንስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እትንጸባርቕ ባርባራዊ ጉዕዞ ‘voyage en Barbarie’ ዘርእስታ ፊልም፣ ድሕሪ’ቲ መኽፈቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዘተ መድረኽ፣ ጠንቒ ስደት ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዩ ንዝብል ሓሳብ ተቓውሞኣ ንዘቕረበት ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን ካብ ጋዜጠኛታት ተሪር ተቓውሞ ገጢምዋ።

ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፣ ድሕሪ’ቲ መኽፈቲ ሰሲልን ደልፊንን ብዝተባህላ ኣዳላወቲ ናይታ ፊልም ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታትን ቀንዲ ተሓባባሪት ናይታ ፊልም ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ሜሮን እስቲፋኖስን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሕቶን መልስን እዋን’ያ ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ዝስደድሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዩ ንዝብል ሓሳብ ክትቓወሞ ፈቲና።

 

እንተኾነ እታ ኣምባሳደር፣ ንዘቕረበቶ ሓሳብን መንግስቲ ኤርትራ ዲክታቶርያዊ ከምዘይኮነ ንምብራህ ዝወሰደቶ ተበግሶን ምሉእ ብምሉእ ከይዛዘመት ብተቓውሞ ጋዜጠኛታትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ፖለቲከኛታት ፈረንሳን መደርኣ ኣብ መንጎ ደው ከተብል ዝተገደደት።

ኣብ መኽፈቲ እታ ባርባራዊ ጉዕዞ- ዘርእስታ ፊልም ዝተረኽቡ ኤርትራዊ ናይ ኣንትሮፖሊጂ ምሁር ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ብወገኖን፣ ነታ ንጉዳይ ኤርታውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይ ክትከታተሎ ዝጸንሐት ጋዜጠኛ ሜሮን እስቲፋኖስ ስለቲ ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ኤርትራውያን ምዃና ድሕሪ ምምስጋን፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልኣት ኣካላት ማሕበረ ሰብ ዓለም ክሳብ ሕጂ ዝገበርዎ ኣበርክቶ እንተሎ መብርሂ ክወሃቦም ሓቲቶም።

Voy

ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረናን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሜሮን እስቲፋኖስ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ከኣ፣ ብዛዕባ ስቃይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ኣብ ፈለማ ካብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ተኸዊሉ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ኣብዚ እዋን’ዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልኦት ማሕበራትን ትካላትን እኹል ኣፍልጦ ከምዘለዎምን በብዝተፈላለየ ኣገባባት ከኣ ንምግትኡ ይጽዕሩ ምህላዎምን ገሊጻ።

እዛ ንስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እትገልጽ ባርባራዊ ጉዕዞ ዘርእስታ ፊልም፣ ብክልተ ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት ተዳልያ ብመደበር ቴሌቪዥን ባይቶ ፈረንሳ -ፑብሊክ ሰና ዝቐረበት’ያ።

እታ ፊልም ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ባይቶ ፈረንሳ ፈረንሳ ንቀዳምን ሰንበት ክትርአ’ያ

ኣቐዲሙ’ውን ድምጺ ስቕይት – Sound of Torture ዘርእስታ ተመሳሳሊ ፊልም ተዘርጊሓ ኣብ ሓያሎ ሃገራትን መደባራት ቴሌቪዥንን ምቕራባ ዝፍለጥ’ዩ።

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0