ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ሽረ ከምዝተኣስሩ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 14 July 2021

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ከምዝተኣስሩ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ፍሊፖ ግራንዲ ኣረጋጊጹ።

ኮሚሽነር ግራንዲ፣ ብ13 ሓምለ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ UNHCR ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ መብርሂ ክወሃቦ ኣብ መቐለ ንዝርከቡ ሰበ ስልጣን ተወኪሱ ኣሎ።

ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕታት ይፍጽም ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ዘመልከተ እቲ ኮሚሽነር፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ጉዳይ ከጻርይዎ ሓቲቱ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ዝነበሩ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ግዳያት እቲ ኣብ ትግራይ ብኩሉ ወገን ዝተወልዐ ኵናት’ዮም ኮይኖም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ መዓስከራት ትግራይ፣ ሽመልባን ሕጻጽን ንዝተመዛበሉ ስደተኛታት ኤርትራ መጽለሊ’ዩ ዝበሎ፣ ሓድሽ መዓስከር ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ 28 ሰነ ከምዘቖመ ኣይርሳዕን።

ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ጸጥታዊ ኩነታት፣ እቲ መዓስከራት ምስተዓጽወ፣ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ናብቲ ኣብ ሰሜን ጎንደር፣ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝተኸፍተ፣ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ከተኣናግድ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ፣ ‘ኣለምዋጭ’ ዝተሰምየ መዓስከር ንምግዓዞም ከምዝተወሰነ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0