ኣሚር ቀጠር ብጉዳይ ኤርትራን ጅቡቲን ናብ ፕረዚደንት ጅቡቲ ደብዳቤ ልኢኹ

ኣሚር ቀጠር ብጉዳይ ኤርትራን ጅቡቲን ናብ ፕረዚደንት ጅቡቲ ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena: 14 November 2014

Qatar Amb

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡቲን ዘተኮረ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ከምዝልኣኸ ተገሊጹ።

ነቲ ካብ ኣሚር ቀጠር ዝተላእከ ደብዳቤ ብ 10 ሕዳር ናብ ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ ዘብጽሐ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብ ጅቡቲ፣ ጃሲም ቢን ጃብር ሱሩር ምዃኑ ዝሓበረት ብቋንቋ ፈረንሳ እትሕተም ጋዜጣ ላ ናስዮን፣ እቲ ኣሚር ኣብ መልእኽቱ ብውጽኢት መስርሕ ዕርቒ ኤርትራን ጅቡትን ሕጉስ ምዃኑ ጠቒሳ።

 

ኣምባሳደር ሱሩር፣ ካብ ኣሚር ቐጠር ዝተላእከ፣ ኣብ መስርሕ ዕርቒ ንኤርትራን ጅቡትን ኣብ ከባቢ ዱሜራ ዘሰሓሓበ ጉዳይ ዘተኮረ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘረከበሉ ኣጋጣሚ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ጅቡቲ’ውን ተረኺቦም ኔሮም።

ነቲ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ዘብጽሐ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብ ጅቡቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ፣ ዕላማ መልእኽቲ ኣሚር ቀጠር ኣብ ብውጽኢት መስርሕ ዕርቒ ኤርትራን ጅቡትን ሕጉስ ምዃኑ ንምግላጽን፣ እቲ ዕርቒ ኣብ መወድታ ክበጽሕ ዘለዎ እምንቶ’ውን ንምርግጋጽን ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣሚር ቀጠር፣ ናብ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ደብዳቤ ዝልኣኸሉ ምኽንያት፣ ኣቐዲሙ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ናብቲ ኣሚር ተመሳሳሊ ደብዳቤ ልኢኹ ስለዝነበረ ምዃኑ’ውን ጋዜጣ ላ ናስዮን ሓቢራ

ጅቡቲ፣ ብሰንኪ’ቶም ደሃይ ዘይብሎም ዝበለቶም ኣብ 2008 ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ምስ ኤርትራ ዝተማረኹ ወትሃደራታ፣ መስርሕ ዕርቒ ክልቲኤን ሃገራት ተሰናኺሉ ምህላዉ ከምዝገለጸት ኣብ ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ይርከብ።
============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0