ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ መዚዙ

ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ መዚዙ

Radio Erena: 07 October, 2014

Am Qa

እቲ ኣሚር ዝሓለፈ ሰሙን ብዘሕለፎ ውሳኔታት መሰረት፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር መሓመድ ዒሳ ሻሂን ኣል ማናይ ካብ ኣስመራ ተሳሒቡ ብ ሓድሽ ኣምባሳደር መሓመድ ራሽድ መሓመድ ኣል ሑማይዲ ተተኪኡ ኣሎ።

ቐጠር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝልዓለ ጽልዋ ካብ ዘለወን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ኮይና፣ በዚ ጽልዋ’ዚ ተሓሂዛ ከኣ ኣብ ሽምግና ምስሕሓብ ኤርትራን ጅቡትን ከምኡ ድማ ጉዳያት ሱዳን ዝልዓለ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ’ያ።

 

ዝሓለፈ ወርሒ ብኤርትራ ዝተታሕዘ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ’ውን ብመንጎኝነት ቀጠር ክልቀቕ ምኽኣሉ ዝዝከር’ዩ።

ወዲ 34 ዓመት ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ፣ ካብ ኣቡኡ ሸኽ ሓማድ ከሊፋ ኣልታኒ ኣብ 2013 ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፣ ቐጠር ኣብ ውሽጥዊ ጉዳያታ ከተተኩር ብዝብል ፖሊስ ምስ ሓያሎ ሃገራት ዝነበራ ኣብ ሓገዝ ዝተሞርኮሰ ዝምድናታት ብመጠኑ ኣደስኪልዎ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0