ኣመሪካ ገለ ክፋል እገዳ ሱዳን ተልዕል

ኣመሪካ ገለ ክፋል እገዳ ሱዳን ተልዕል

Radio Erena: 19 February 2015

US eases Santion on Sudan

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳ ገለ ክፋሉ ኣልዒላቶ።

ኣብ ናይ ወጻኢ ዕድጊን ሃብትን ዘተኩር ክፍሊ ትሬዤሪ ኣመሪካ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ እዚ ተላዒሉ ዘሎ እገዳ መንግስቲ ሱዳን ኣብ መራኸቢታት ዘተኮረ ኣቑሑ ንምሽማት ዝፈቅድ’ዩ።

ኣመሪካ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ቁጠባዊ እገዳ ከምዝንበረት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ እገዳ ንኽልዓል መንግስቲ ኣልበሽር ምስ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ጋንዶርን ዝመርሕዎ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣመሪካ ዑደት ብምክያድ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዱ’ዩ።

ብሰንኪ’ዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ ቁጠባዊ እገዳ ጽላታት መጓዓዝያ፣ መራኸቢታትን ሕክምናን እታ ሃገር ብኸቢድ ከምዝተሃስየ ይንገር።

እዚ ሕጂ ኣመሪካ ኣልዒላቶ ዘላ ከፊላዊ እገዳ ድማ ኣብ መራኸቢታት ቴክኖሎጂ እታ ሃገር ብመጠኑ ለውጢ ከርእይ ከምዝኽእል ይግመት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝፍጽሙ ንዘለዉ ጥሩፋት ጉጅለታት ሽበራ ቦኮ ሓራምን ዳዒሽን ብወኪልቲ ስለያታት ኣመሪካን እስራኤል ከምዝድገፉ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምስ መደበር ቴሌቪዥን ኤውሮ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ወቒሱ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0