ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 12 ኣባላት ኣልሸባብ ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 February 2023

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 12 ኣባላት ኣልሸባብ ከምቐተለት ካብ ፐንታጎን ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ማለት ኣፍሪኮም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ካብ ከተማታትን ዓድታትን ምሕድግ ኣብ ዝበለ ቦታ ዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝተጸወዐ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ኣብ እተካዪዶ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ነበርቲ ማህሰይቲ ከውርድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ብዓርቢ ዝወጸ መግለጺ ግና፣ ዝኾነ ሲቪል ከምዝተይተቐትለ ፐንታጎን ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ሶማል ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ብምትሕብባር፣ ንኣልሸባብ ካብታ ሃገር ንምድምሳስ ዘመተ ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ እዋን፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቱርኪን እውን ናይ ኣየር ደገፍ ክህባ ጸኒሐን እየን።

ኣመሪካን ቱርኪን ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ሶማል ኣብ ምምስራት እውን ናይ ወተሃደራዊ ስልጠና መደባት ከካዪዳ ጸኒሐን እየን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0