ኣመሪካ ”ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ምብራቓዊ ሱዳን ዘሎ ናዕቢ ኢድ የብለይን’ ትብል

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ምብራቓዊ ሱዳን፣ ሓድሽ ናዕቢ ንምውላዕ ኣመሪካ ትሰርሕ ኣላ ንዝብል ወቐሳ፣ ኣመሪካ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ።

እቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኢሳይይሳ ኣፈወርቂ ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ምብራቕን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምቅዳው ክፈርስ ይክእል’ዩ ዝብል ትንታነታት ክወሃበሉ ጸኒሑ’ዩ።
    ብቤጃን ራሻይዳን ዝቖመ ተቓዋሚ ጉጅለ ምብራቕ ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ፣ መሪሕነት እቲ ተቓወምቲ ኣብ መንግስቲ ስልጣን ክወሃቦም ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምርድዳእ መራሕቲ ተቓወምቲ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ከም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ከምዝተረቑሐ ኣይርሳዕን።
    ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብዝርአ ዘሎ ድጉል ረጽምን ምትኹታኹን ድማ፣ ኣመሪካ’ያ ዝብል ወቐሳ ብወገን ሱዳን ክስማዕ ጸኒሑ።
    ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቆንስል ኣመሪካ ነቲ ወቐሳ ናይ ኣሉታ ምላሽ ድሕሪ ምሃቡ፣ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ነበርን ናይ ሕጂ ኣማኻሪ ፕረዚጸንት ሱዳንን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ብምርኻብ፣ ዋሽንግተን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝኾነ ናይ ምትእትታው ዕላማ ከምዘይብላ ከምዘረጋገጸሉ ማዕከናት ዜና የመልክታ።
    እቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ከሰላ ዝማእከሉ ምብራቕ ሱዳን ሓደ ካብቲ ካብ ምዕባለ ዝተነጸለ ዞባታት ሱዳን’ዩ ዝብል ምዕዝምዛማት፣ ንተወላዶ እቲ ዞባ ስለዘቖጠዖም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብረት ብምልዓል ኣንጻር ካርቱም ክቓለሱ ከምዝመደቡ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0