ኣመሪካ ምስ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንግድ ከተስፍሕ’ያ

ኣመሪካ ምስ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንግድ ከተስፍሕ’ያ

Radio Erena: 12 March 2015

EAC

ኣመሪካ ምስ ሓሙሽተ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግዙፍ ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካ ቶክስ ኣፍሊጡ።

እዚ መርበብ ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣብ መንጎ’ተን ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ’ዩ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፣ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ኣመሪካ ኣቑሑ ከእትዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናብ ኣመሪካ ዝተፈላለየ ነገራት ንምልኣኽ’ውን ባይታ ዘጣጥሕ’ዩ።

 

እዘን ኣብዚ ናይ ንግዲ ስምምዕ ከቲመን ዘለዋ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣- ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ብሩንዲን’የ።

እዘን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ዘካይድኦ ዘለዋ ንግዳዊ ልውውጥ’ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዓቢ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ተጸጊዑ ኣሎ።

ኣብ 2005 ንግዳዊ ለውውጥ እዘን ሃገራት 2.3 ቢልዮን ዶላር ምንባሩ ዝጠቐሰ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካ ቶክስ ድማ ኣብ 2013 ብዕጽፊ ብምዝያድ ናብ 4.7 ቢልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ ኣመልኪቱ።

ዶባት ዘይሓጸሮ ንግዳዊ ልውውጥ ናይዘን ሓሙሽተ ሃገራት፣ ነተን ኣብቲ ዞባ ነዚ ዕድል እዚ ክጽንበርኦ ዘይክኣላ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ከም ዕዉት ተመክሮ ክመሃራሉ ይኽእላ’የን።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0