ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝኸፈተትሉ መበል 20 ዓመት ጸንቢላ

Radio Erena: 18 November 2022

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝኸፈተትሉ መበል 20 ዓመት ጸንቢላ።

ኣብቲ መሻርኽቲ ሃገራት ዝተረኽባሉ፣ ብ10 ሕዳር ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ጽንብል፣ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕላማታታ ንምዕዋት ካብ ዘካየደቶም ተበግሶታት ብኣብነት ከምዝጥቀስ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ጂቡቲ ጆናታን ፕራት ገሊጹ።

ኣዛዚ ናይቲ ብልፍንታዊ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ፣ ብኣመሪካ ዝምራሕ ዞባ ሰራዊት፣ ሜጀር ጀነራል ጃሚ ሻውለ ብወገኑ፣ እቲ ምትእኽኻብ ጽምብል መበል 20 ዓመት ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝምድና ንምሕያል ዘሎ ድሌት ዘንጸባርቕ’ዩ ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 11 መስከረም 2001፣ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ እታ ሃገር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሓዛ ደልያ፣ ንሳ ድማ ጂቡቲ ኮይና። ፈረንሳ ድማ ኢዳ ዘርጊሓ ተቐቢላትና ክብል ኣገንዚቡ።

ኣመሪካ ካብ 10 ሕዳር 2002 ኣትሒዛ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ነፈርቲ፣ ሄሊኮፕተራት፣ መራኽ ኵናት፣ ድሩዓትን ታንክታትን ዝዓጠቐ ልዕሊ 4500 ወትሃደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት ብቀዋምነት ኣብ ለሞንየ ከተዐስክር እንከላ፣ በብእዋኑ’ውን ግዙፋት ናይ ኵናት መርኽብ ብምጽጋዕ ተወሳኺ ወትሃደራዊ ንጥፈታት ከምእተካይድ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0