ኣመሪካ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝመደበሩ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ ሓድሽ ኣዛዚ መዲባ

Radio Erena: 25 May 2021

ኣመሪካ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝመደበሩ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ፣ ሓድሽ ኣዛዚ መዲባ።

ሓድሽ ተመዚዙ ዘሎ ሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና፣ ቅድሚኡ ንዝነበረ ሜጀር ጀነራል ላፓት ፍሎራ ብምትካእ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካን ሓይልታት ልፍንትን ክመርሕ’ዩ።

እቲ ጀነራል፣ ኣዛዚ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ጀነራል ስቴፈን ታውሰንድ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ሓድሽ መዝነቱ ተረኪቡ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ብቐዋምነት ዓስኪሩ ንዝርከብ ኣስታት 5 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊታ ንምዕባዩ ትሰርሕ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ድማ ግብረ መልሲ ናይቲ ቻይናን ሩስያን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዚፍ ጠመተ ምግባረን ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0