ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ተወሳኺ ደብዳብ ኣካይዳ

Radio Erena: 03 August 2021

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ ባሕቲ ነሓሰ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዞባ ጋልምዱግ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ከምዝተፈጸመ ዝተጠቕሰ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣልሸባብ ከቢድ ዕንወት ከምዘብጽሐ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ሶማል ገሊጹ።

ዝርዝር ናይቲ በጺሑ ዝበሃል ዘሎ ዕንወት ግን ኣይተጠቕሰን።

ኣመሪካ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ሰሙን ንሳልሳይ እዋን’ዩ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ዝግለጽ ዘሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ሶማል ንዘውጽኦም ሓይልታት ኣመሪካ፣ ምምሕዳር ባይደን ክመልሶም መደብ ከምዘለዎ’ውን ወተሃደራውያን ምንጭታት ኣመልኪቶም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0