ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ድሕነት ዜጋታታ ንምውሓስ ተወሳኺ ሰራዊት ተዋፍር ኣላ

Radio Erena: 24 April 2023

ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ድሕነት ዜጋታታ ንምውሓስ፣ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ሰራዊር ተዋፍር ምህላዋ፣ ንመግለጺ ክፍሊ ኣመሪካ- ፔንታጎን ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፔንታጎን ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ሱዳን ምስ ዘሎ ኩነታት ተኣሳሲሩ፣ ተወሳኺ ሓይሊ የዋፍር ከምዘሎ ብምምልካት፣ እቲ ሓይሊ ኣድልዩ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ምውጽእ ኣመሪካውያን ካብታ ሃገር ክዋሳእ ምዃኑ ኣሚቱ።

ኣፈኛ ቤት መንግስቲ ኣመሪካ፣ ጆን ኪርቢ ብወገኒ፣ ፕረዚደንት ባይደን ንኩነታት ሱዳን ይከታተሎ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ሰራዊት ኣመሪካ ንዝኾነ እንተታት ድሉው ክኸውን ምእዛዙ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንኣመሪካውን ዒላማ ዝገበረ እኳ እንተዘይኮነ፣ እቲ ኩነታት ተኣፋፉ ምዃኑ ግና እቲ ኣፈኛ ገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ከም ኣካል ናይቲ ቶምሃውክ ዝተሰምየ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ዝዋፈሩ ኣስታት 800 ወትሃደራት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

ኦክልሃማ ካብ ዝርከብ ሃገራዊ ሰራዊት፣ ኣብ 15 ሚያዝያ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተበገሱ ኣቐዲሙ ዝሓበረ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ሓሙሽተ ወትሃደራዊ ማእከላት፣ ጸጥታዊ ድጋፍ ኣብ ምሃብ ክዋፈሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ልዕሊ 4500 ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

በብእዋኑ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምስ ዝኽሰት ጸጥታውን ወትሃደራውን ኩነታት ብዝተሓሓዝ፣ ንፍሉይ ተልእኾ፣ ኣሃዱታት ሓይልታት ባሕሪ፣ ኣየርን ምድሪን ተዋፍር’ያ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0