ኣመሪካ፣ ናብ ጂቡቲ ሶማልን ኬንያን ዝዋፈሩ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 12 September 2022

ኣመሪካ፣ ናብ ጂቡቲ፣ ሶማልን ኬንያን ዝዋፈር ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ክትልእኽ ‘ያ።

እቶም ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ቴክሳስ፣ ፎርት ብሊስ፣ ኣብ ጽዑቕ ታዕሊም ዝጸንሑ፣ ኣባላት ኒውዮርክ ሪፖብሊካን ጋርድ ዝኾኑ ወትሃደራት፣ ኣቐዲሙ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ገለ ክፋል ሰራዊት ኣመሪካ ንምትካእ ኣብዚ ሰሙን ናብ ጂቡቲ ክኣትዉ ትጽቢት ኣሎ።

እቶም ወትሃደራት ኣብ 6 መስከረም ኣብ ዝተገብረሎም ናይ መመረቕታን መፋነውን ስነ ስርዓት፣ ንኹሉ እንተታት ድልዋት ኮይኖም ይብገሱ ምህላዎም ምክትል ኣዛዚ ኒውዮርክ ሪፖብሊካን ጋርድ፣ ሜጀር ጀነራል ሚሸል ናታሊ ገሊጹ።

መብዛሕቶም ኣብቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ቀዋሚ መዓስከር ለሞንየ ክምደቡ እንከለዉ፣ ገለ ክፋሎም ድማ ናብ ሶማልን ኬንያን ንፍሉይ ተልእኾ ክኣትዉ ምዃኖም እቲ ጀነራል ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ኣጋርን ከቢድ ብረትን ኣሃዱታት ዘጠቓለለ ሰራዊት፣ 132 ተወሰኽቲ ወትሃደራት ኣመሪካ’ውን ብ10 መስከረም ናብቲ ዞባ ተላኢኾም ከምዘለዉ ወትሃደራውያን ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣስታት 4500 ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ መዓስከር ክህልዋ እንከሎ፣ በብእዋኑ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ፣ ንፍሉይ ተልእኾታት ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ‘ውን ከተዋፍር ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ሶማል ዝነበረን ምምሕዳር ትራምፕ ዝሰሓቦን ኣስታት 600 ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ ሰራዊት ኣመሪካ’ውን ዳግም ይምለስ ምህላዉ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0