ኣመሪካ፣ ናብ የመን ኣቕኒዑ ዝነበረ ኣስታት 70 ቶን ተባራዒ ባእታ ሚሳይላት ሒዛ

Radio Erena: 16 November 2022

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ካብ ኢራን ናብ የመን ዘቅንዕ ዝነበረ ኣስታት 70 ሽሕ ቶን ተባራዒ ባእታ ሚሳይላት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ማእከላይ ርሕቐት ዝውንጭፍ ሚሳይላት ንምስራሕ ዝሕግዝ ተባራዒ ባእታ፣ ብዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሐት ጃልባ ምስ ድዅዒ ተሓዋዊሱ’ዩ ተታሒዙ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተታሕዘ ተባራዒ ባእታ፣ ማእከላይ ርሕቐት ዝውንጨፍ 10ታት ሚሳይላት ከስርሕ ከምዝኽእል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ውግኣት፣ ብተመሳሳሊ ተባራዒ ባእታ ዝተሰርሐ ሚሳይላት ከምዝጥቀሙ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ብተወሳኺ ኣንፊቱ።

ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ወሽመጥ ፋርስ ንምሕላው ዝተዋፈረ መበል 5ይ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ነታ ጃልባ ኣብ ክሊ ማያት ዖማን፣ ብሃንደበት ንፈተሻ ደው ከምዘበላ ኣፈኛ፣ ኮማንደር ቲሞቲ ሆውኪንስ ንኣሶሸተድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ተባራዒ ባእታ፣ ምስ ድዅዒ ተመሳሳሊ ምስ ተታሕዘ፣ ሰራሕተኛታት እታ ጃልባ ንዝኾኑ ኣርባዕተ የመናውያን ናብቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዘረከቦም እቲ ኣፈኛ ኣፍሊጡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0