ኣመሪካ፣ ሶማላውያን ናብ ዓዶም ናይ ምስጓግ መስርሕ ንግዜኡ ደው ክብል ወሲና

Radio Erena: 16 January 2023

ኣመሪካ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝነብሩ ይኹን ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድን ዝተነጽገ ሶማላውያን፣ ናብ ዓዶም ናይ ምስጓግ መስርሕ ንግዜኡ ደው ክብል ምውሳና ክፍሊ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ኣብ ሶማል ምስ ደርቂ ተተሓሒዙ ብሰንኪ ዝተኸስተ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝቕጽል ዘሎ ግጭትን፣ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ዓዶም ንምምላስ ከምዘይክኣል ብምጥቃስ’ዩ እቲ መስርሕ ደው ኣቢልዎ።

ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣብ መስርሕ ዝጸንሑ 430 ሶማላውያን፣ እቲ ውሳኔ ድሕሪ ምሕላፉ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ተፈቒድዎ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣመሪካ ብቀጻልነት ክነብሩ ዝጸንሑን በቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ ዝጽለዉን ልዕሊ 2200 ሶማላውያን’ውን ተኻፈልቲ እቲ ንግዜኡ ተወሲኑ ዘሎ ሕድገት ክኾኑ’ዮም።

ምምሕዳር ባይደን፣ መስርሕ ምስጕግ ሶማላውያን ናብ ዓዶም ን18 ኣዋርሕ ደው ክብል ‘ዩ ወሲኑ።

ኣብ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ኣልሸባብን ብኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝድገፍ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስትን፣ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ኣፈናቒሉ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ብሰንኪ ዘሎ ደርቂ፣ ኣስታት 8 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0