UPDATED:ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ዘርእይዎ ዘለው ምቕርራብ ይምጕስ

UPDATED:ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ዘርእይዎ ዘለው ምቕርራብ ይምጕስ

Radio Erena: 22 June 2018

Abiy and Issaias

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንተበግሶ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ይምጉሳ ኣለዋ።

በዚ መሰረት፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ንሰለም ንዝወሰድዎ ተባዕ ተበግሶ ድሕሪ ምምጓስ ሰላም እዘን ክልተ ሃገራት ንጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ክፍሊ፣ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወሲዶሞ ዘለዉ ተበግሶ ዘሞግስ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕርዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝርከብዎ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ምስጢራዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ ዘለዎ ወቕቲ’ዩ።

ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፣ ሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ብዛዕባ’ቲ ን17 ዓመታት መዕለቢ ዘይረኸብ ምስሕሓብ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ኣመልኪቱ ምስ መራሕተን ከምዝተዘራረበ ይግለጽ።

ኣመሪካ ሓንቲ ካብ ኣውሓስቲ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ምንባራ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብውገኑ ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መግለጺ፣ ንክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ምምጓስ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ግጭታት ኣፍሪቃ ንምውጋድ ኣብ 2013 ንዝተወጠነ ንድፊ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝደፍእ ምዃኑ ጠቒሱ።

ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ ኣፈኝኡ ኣቢሉ ኣብ ኣብ ዝሃቦ ቃል’ውን፣ ነዚ ብክልቲኤን ሃገራት ዝተወሰደ ተበግሶ ሰላም፣ ዝምድና እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝሕግዝ እወታዊ ስጉምቲ ክብል ገሊጽዎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሽወደን፣ ኣልጀርያ፣ ቻይናን ካልኦት ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ መግለጺታት ኣብ ምሃብ ይርከባ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0