ኣመሪካ፣ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ

Radio Erena: 03 June 2022

ምምሕዳር ባይደን፣ ንኣምባሳደር ሚካኤል ሃመር፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን መዚዝዎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣቐዲሙ ፍሉይ ልኡኽ ክኸውን ዝተመዘዘ፣ ኣምባሳደር ዳቪድ ሳተርፊልድ፣ መዝነቱ ነዚ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ንምርካብ ይዳሎ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር ስልጣኑ ዝርከበሉ ዕለት ኣይተገልጸን።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ኣብ ጥሪ 2022 ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ዳቪድ ሳተርፊልድ፣ ኣብ ስለስተ ኣዋርሕ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ምዃኑ ፎረይን ፖሊሲ ዝተባህለ መርበብ ዜና ኣቐዲሙ ሓቢሩ’ዩ።

ቅድሚኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ2021 ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን’ውን ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ጸኒሑ፣ ኣብ ጥሪ 2022 መዝነቱ ምሕዳጉ ይዝከር።።

እዞም ንምምሕዳር ባይደን ብምውካል፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመደቡ ኣምባሳደራት፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ መዝነቶም ዝሓድግሉ ዘለዉ ምኽንያት፣ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ፣ ኣምባሳደር ሚካኤል ሃመር፣ ነቲ ኣብ ሰንኮንፍን ተኣፋፊ ጸጥታዊ ኩነታትን ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ጉዳያት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን፣ ሶማልን እቲ ዝዓበየ ብድሆታቱ ከምዝኸውን ይግመት።

ሚካኤል ሃመር፣ ኣቐዲሙ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ደሚክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝነበረ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0