ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ንጉዳይ የመንን ኢራንን ብዝምልከት ዘትየን

Radio Erena: 22 May 2022
ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ንጉዳይ የመንን ኢራንን ብዝምልከት ዘትዮም።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ምስ ምኽትል ሚኒስተር ምክልኻል ልዑል ኻልድ ቢን ሳልማን ብቀዳም 21 ግንቦት ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፣ ብዛዕባ’ቲ ብተደጋጋሚ ክጠሓስ ዝጸንሐ ኣብ የመን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዘትዮም።
ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ምቕጻል ንግዳዊ በረራታት ካብ ከተማ ሰንዓ፣ ከምኡ’ውን ወደብ ሖደይዳ ነዳዲ ኣብ ምምልላስ ክፉት ብዛዕባ ዝኾነሉ መንገድታት እውን ዘትዮም።
ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ኢራን ይመጻኒ’ዩ ንእትብሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምክልኻል፣ ኣመሪካ ዝኣተወቶ መብጽዓ ገና ክትቅጽሎ ምዃና፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስዑዲ ዓረብ ብወገና፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምክያዳ ተፈጢሩ ንዘሎ ቅልውላው ጸዓት ንምርግጋእ፣ ምስ ኣመሪካ ተሻሪኻ ክትሰርሕ ምዃና ኣፍሊጣ።
ህላወ ሰራዊት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ነቲ ዞባ ሓደ ካብ ተኣፈፍቲ ቀላያት ዓለም ከምዝኸውን ገይሩዎ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0