ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሶማል ምእታወን ግዝያዊ ቀ/ሚ ሶማል ነቒፉ

Radio Erena: 29 July 2020

ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ማህዲ መሓመድ ጉለድ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ፓርላማ እታ ሃገር ንዝወሰዶ ስጉምቲ ምስጓግ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሰን ዓሊ ኻይረ ኣመልኪተን ዘቕረብኦ ነቐፌታ ነጺጉ።

ንሱ፣ ኣበርክቶ ኣህጉራዊ መሕበርሰብ ኣብ ሶማል ዝምስገን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ሉኣላዊ ጉዳይ ሃገርን ቅዋምን ሶማል ከኽብሩ ኣዘኻኺሩ።

ፓርላማ ሶማል፣ ካብ 2017 ኣትሒዙ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ክይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ሓሰን ዓሊ ኻይረ ካብ መዝነቱ ክእለ ብቀዳም 25 ሓምለ ከምዝወሰነ ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ሓፍሽ ቀዳማት ሚኒስተር ክሳብ ዝሸይም፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ማህዲ መሃመድ ጉለድ ብግዝያውነት ተኪእዎ ኣሎ።

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ሓያሎ ፖለቲካውን ሓይልታትን እታ ሃገር፣ ምስጓግ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓሊ ኻይረ፣ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ተቓውምኦም የስምዑ ኣለዉ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0