ኣል ሸባብ ንመጀመርያ እዋኑ ዘተ ይጠልብ ምህላዉ መንግስቲ ሶማል ኣፍሊጡ

Radio Erena: 09 January 2023

ኣብ ሶማል፣ ካብ 2006 ኣትሒዙ ብረታዊ ጎነጽ ዘካይድ ዘሎን ካብ 2011 ድማ ምስ ኣልቃዒዳ ብወግዒ ዝሓበረን ኣልሸባብ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ዘተ ይጠልብ ምህላዉ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ብ07 ጥሪ ገሊጹ።

ይኹን ምበር፣ ዜጋታት ሶማል ዝኾኑ ውልቀ ኣባላት ኣልሸባብ ደኣ’ምበር እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ምስ መንግስቲ ናይ ምዝርራብ ዕድል ከምዘይብሉ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል፣ ዓብደለጢፍ ቃስም ሓቢሩ።

ኣልሸባብ ብክልተ ጉጅለታት ዝቖመ’ዩ ዝበለ እቲ ምክትል ሚኒስተር፣ እቲ ሓደ ብወጻእተኛታት ዝቖመ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ዜጋታት ሶማል ዘለውዎ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ንሱ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ምስ ዜጋታት ሶማል ናይ ምዝርራብ ድሌት ክህልዎ እንከሎ፣ እቶም ወጻእተኛታት ግና ናብቲ ዝመጽእሉ ዓድታት ምምላስ እንተዘይኮይኑ ዝውሃቦም ዕድል ከምዘየለ ኣረዲኡ።

ኣልሸባብ ምስ መንግስቲ ናይ ምዝርራብ ድሌት ከምዘለዎ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብ ደቡባዊ ማእከል ዞባ ሸቤሌ፣ ሒሎውል ጋብ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት መጥቃዕቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግዜ’ዩ።

ብነፈርቲን ድሮናትን ኣመሪካ ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ተደጊፉ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕታት ከፊቱ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል፣ ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሩ ምህላዉ ይገልጽ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ናብ ሶማል ተመሊሶም ኣብቲ ወፍሪ ከምዝተጸንበሩ’ውን ሰራዊት ሶማል ኣፍሊጡ።

ሶማል ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ክትከውን’ያ ክብል ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0