ኣል ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካዪድ ሙዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 08 July 2019

ኣል ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካዪድ ሙዃኑ ገሊጹ።

ብርጌደር ጀነራል የሕያ ሳሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ እቲ መጥቃዕቲ ድሮ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ጀሚሩ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ውጽኢቱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጂዛን ናይ ስዑዲ ክረአ ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ ብተወሳኺ፣ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝካየድ ደብዳብ፣ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ዝኣወጅኦ ኲናት ግብረ መልሲ ንምሃብ እዩ ክብል ገሊጹ።

ብካልእ ወገን፣ ኣል ሑቲ ብዘካየዶ ናይ ከቢድ ብረት መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 10 ወተሃደራት የመን ክቕተሉ እንከለዉ ብርክት ዝበሉ ከኣ ከምዝቖሰሉ ሺን ሁዋ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ካብ ከተማ ሖደይዳ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብቀዳም 6 ሓምለ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣብ ውሽጢ የመን ዝተሰርሐ ባለስቲካዊ ሚሳይላት ከምዝተተኮሰ ይግለጽ።

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ብወገኑ ኣብ ሖደይዳ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ህጻናትን ደቀንስትዮን ብፎኪስን ከቢድን ቆሲሎም ከምዘለዉ ካብ ሆስፒታላት እታ ከተማ ሓቢረን።

ካብ ኲናት ሓድሕድ ዘምለጠ ህዝቢ የመን፣ ብተላባዒ ሕማማትን ዓጸቦን ይሳቐይ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0