ኣልሸባብ ሕጂ’ውን ኣብ ኬንያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

ኣልሸባብ ሕጂ’ውን ኣብ ኬንያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

Radio Erena: 05 December 2014

kenya more attack

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ፣ ኣባላት ሓለዋ ዶባት ኣብ ዘማስይሉ መዘናግዒ ቦታ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

በቲ ናይ ኢድ ቦምባ ብምድርባይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ክልተ ወታህደራት ኬንያ ከምዝቖሰሉ’ውን ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

እቲ ጉጅለ፣ ጋሪሳ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ሶማልን ኬንያን እትርከብ ጻዕቒ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስ ኣብ ዝርኣየላ ከተማ መጥቃዕቲ ምክያዱ፣ ጸጥታ ኬንያ ማዕረ ክንደይ ኣብ ሰንኮፍ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ጋሪሳ መጥቃዕቲ፣ መንግስቲ ኬንያ ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

 

ኣልሸባብ፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ውስጢ ክልተ ሰሙን ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝረሸነ ዝዝከር ኮይኑ፣ ብሕጂ’ውን ኣብ ከባቢ ዶባት ተመሳሳሊ ቅትለትን መጥቃዕትን ከካይድ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ምውሓስ ብዝግባእ ኣይሰርሑን ንዝበሎም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገርን ኣዛዚ ፖሊስን ካብ መዝነቶም እኳ እንተሰጎጎም፣ ሕጂ’ውን ጸጥታ ኬንያ ውሕስነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝዝረበሉ።

ጎረባብቲ ሃገራት’ውን በዚ ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ዝፍጽሞ ዘሎ ተደጋጋሚ ቅትለትን መጥቃዕትን ናይ ጸጥታ ስክፍታ ከምዘለወን ይግልጸ እንተሎ፣ ኢትዮጵያ ግና ኣልሸባብ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ዓቕሚ የብሉን ክትብል ብመንገዲ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳድድደር ዲና ሙፍቲ ገሊጻ ኣላ።

ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ’ተን ሰራዊት ናብ ሶማል ልኢኸን ዘለዋ ጎረባብቲ ሃገራት መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ቀጻሊ’ዩ ዘጠንቕቕ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ኣብ ውስጢ ሶማል ተበታቲኑ ተዳኺሙ’ዩ ክብሃል እኳ እንተጸንሐ፣ ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ግና ኣብ ሶማልን ኬንያን ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከካይድ ክኢሉ ኣሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0