ኣልሸባብ፣ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ንዝርከባ ክልተ ከተማታት ተቖጻጺሩ

ኣልሸባብ፣ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ንዝርከባ ክልተ ከተማታት ተቖጻጺሩ

Radio Erena: 07 September 2015

Als

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ነተን ካብ ርእሰ ከተማ ሞቛድሾ ኣስታት 60 ኪሎሜተር ርሒቐን ዝርከባ ክልተ ንኣሽቱ ከተማታት ክቆጻጸረን ዝኸኣለ፣ ኣብተን ከተማ ተዋፊሩ ዝነበረ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስሓቡ’ዩ።

ብኡጋንዳ ዝምራሕ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተፈነወሉ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ክሳራታት ከምዝወረዶ ዝሓበሩ ምንጭታት ዜና፣ እቲ ሰራዊት ካብተን ከተማታት ከምዝሰሓበ የረድኡ።

ሰራዊት ኡጋንዳ ድሕሪ ምስሓቡ፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ነተን ከተማታት ከምዝተቖጻጸሩ’ውን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣረጋጊጾም።

 

ነበርቲ እተን ከተማታት ናብ ካልእ ውሑስ ከባቢታት ይግዕጵዙ ምህላዎም’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ብቀዳም ዝተፈነወ መጥቃዕቲ 10ታት ወትሃደራት ኡጋንዳ ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና’ውን፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ጽዒና እትጓዕዝ ዝነበረት መኪና፣ ዝተጻወደላ ነታጕ ድሕሪ ብምርጋጻ ሓያሎ ኣባልት’ቲ ሰራዊት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ካልኦትን ብዝሳተፍዎ ዘለዉ መጥቃዕታት፣ ኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ክስሕብ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ዳግም ሓይሉ የደላድል ከምዘሎ ተዓዘብቲ የመልክቱ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0