ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ጂቡቲን ከምዘጥቀዐ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 January 2021

ምስ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል፣ ምንቅስቓሳቱ የሐይል ከምዘሎ ዝግለጽ ዘሎ ኣልሸባብ፣ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ጂቡቲን መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ክልተ መጥቃዕታት ብውሕዱ 3 ወትሃደራት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይጠቕሳ።

መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ሂራን፣ ዓስኪሩ ኣብ ዘሎ ሰራዊት ጂቡቱ ከምኡ ድማ ኣብ ዞባ ጌዶ ኣብ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ዩ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈንዩ።

ጂቡቲ፣ ኣስታት 3 ሽሕ፣ ኢትዮጵያ ድማ ኣስታት 4 ሽሕ ዝግመት፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ዝተሓቖፈ ሰራዊት ኣብ ሶማል ምውፋረን ይግለጽ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ኢትዮጵያ፣ ንሰራዊት መንግስቲ ሶማል ንምሕጋዝ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ብዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኣስታት 10 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ናብ ሶማል ልኢኻ ምጽንሓ’ውን ይጥቀስ’ዩ።

እንተኾነ፣ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ሰራዊት፣ ድሕሪ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተሳሒቡ፣ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከምዝወፈረ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ስልጠና፣ ስለያን ፍሉይ ስርሒታትን ኣዋፊራቶም ዝጸንሐት ኣስታት 700 ወትሃደራታ ካብ ሶማል ስሒባ’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰራዊት ኡጋንዳን ሶማልን፣ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ስርሒታት፣ ብውሕዱ 189 ዕጡቓት ኣል ሸባብ ከምዝቐተሉ ገሊጾም።

ኣብቲ ብ23 ጥሪ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ነፈርቲ ውግእ ኡጋንዳ’ውን ከምዝተሳተፋ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣልሸባብ፣ ብዛዕባ’ቲ ሓይልታት ኡጋንዳን ሶማልን ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ኣውሪድናዮ ዝበልዎ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራታት ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0