ኣልሸባብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ህቡራት ሃገራት ቀቲሉ

ኣልሸባብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ህቡራት ሃገራት ቀቲሉ

Radio Erena: 21 April 2015

07AlsUN

ኣልሸባብ ኣብ ሰሜናዊ ሶማልያ ኣብ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ነታጕ ብምጽዋድ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕሱ ሸውዓት ሰባት ቀቲሉ።

እቲ ኣብ ሲቪላዊ ትካል ንዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጽዒና ኣብ ከተማ ጋረወ ንእትጓዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ሰባት’ውን ከምዘቑሰለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት- ዩኒሴፍ፣ ኣርባዕተ ሶማላውያንን ወጻእተኛታትን ኣባላቱ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቀትሉ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ኣርባዕተ ካልኦት ድማ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።

 

ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ብወግዒ ወሲዱ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ፣ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ማሊ፣ ቦትስዋና፣ ደቡብ ሱዳንን ከምኡ ድማ መራሒ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ዝተሳተፍዎ ኣብ ጸጥታ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ዳዒሽ፣ ቦኮ ሓራምን ኣልሸባብን ዘተኮረ ዋዕላ ጣና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጋብኣሉ እዋን’ዩ።

ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ውሽጢ ሶማልን ጎረባብቲ ሶማል ዝኾና ሃገራትን ልዕሊ 10 መጥቃዕታት ብምክያድ ብውሕዱ 400 ሰባት ከምዝቐተለ ጸብጻባት የመልክቱ።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0