ኣልሸባብ፣ ንዓመታት ሒዝዎም ዝጸንሐ 14 ኢራናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 29 December 2022

ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣል ሸባብ፣ ንነዊሕ ዓመታት ሒዝዎም ዝጸንሐ 14 ኢራናውያን ገፍፍቲ ዓሳ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም ኢራናውያን ናብ ዓዶም ክፋነዉ ዝኸኣሉ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢራንን ዓበይቲ ዓዲ ሶማልን ክካየድ ድሕሪ ዝጸንሐ ነዊሕ ዝወሰደ ዝርርብ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ስርሒታት ዘካይድ ዘሎ ሰራዊት፣ 14 ኢራናውያንን ሽዱሽተ ፓኪስታናውያንን ከምዝረኸበ ብሰንበት 25 ታሕሳስ ገሊጹ’ዩ።

ገለ ካብቶም ወጻእተኛታት፣ ኣብ 2014 ዝተታሕዙ ምዃኖም ዝጠቐሰ ፖሊስ ሶማል፣ ገሊ ድማ ኣብ መፋርቕ 2019፣ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ሶማል፣ ሃራርድሒር ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ኣብ ኢድ ኣልሸባብ ዝኣተዉ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

እቶም ኢራናውያን ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቴህራን ኣብ ዝበጽሕሉ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲን ቤተሰቦምን ምዉቕ ኣቀባብላ ጌሮምሎም።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ቅርሰና መራኽብ እናጎደለ እኳ እንተመጸ፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝንቀሳቐሱ ገፈፍቲ ዓሳ ክጭወዩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0