ኣልሸባብ፣ ንቱርካውያን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

Radio Erena: 21 January 2020

ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ንዝርከቡ ቱርካውያን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

እቲ ጉጅለ፣ ካብ ሶማል 30 ኪሎሜተር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣፍጎየ፣ ብ18 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ፣ ቱርካውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም።

ኣርባዕተ ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 16 ከምዝቖሰሉ ሕክምናዊ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም።

ሰበ ስልጣን መንግስታት ሶማልን ቱርኪን በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቶም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ምህናጽ ጽርግያ ተዋፊሮም ዝነበሩ ቱርካውያን መሃንድሳትን ሶማላውያን ሰራሕተኛታትን ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ስልጠና ፖሊስ ሶማል ዝተዋፈሩ ቱርካዉያን ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ቱርኪ ዘድሃበ መጥቃዕታት ምዝያዱ፣ ኢድ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክህልዎ ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጣረታት እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣቐዲሙ ኣብቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “ኢድ ናይ ወጻኢ ሃገር” ከምዘለዎ ምእንፋቱ ይዝከር።

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ስልጠና ፖሊስን ካልእ መደባትን ዝተዋፈሩ ኣማኢት ቱርካውያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0