ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ኤርትራ ንዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ፊናንስያዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ኤርትራ ንዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ፊናንስያዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 16 March 2016

ICRC

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ኤርትራ ንዝነብሩ 3438 ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ 2015 መንበሪ ፍቓዶም ንምሕዳስ፣ ፊናንስያዊ ድጋፍ ከምዝገበረሎም፣ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ኤርትራ ንሓያሎ ዓመታት ዝተቐመጡ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ዝተወልዐ ግጭት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ካብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ዓመታዊ ከሐድሱ ዝግደዱ ዘለዉ’ዮም።

ነቲ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ካብ 500 ክሳብ ሓድ ሽሕ ናቕፋ ክኽፈሉ ዝጸንሑ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣ በብእዋኑ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናብ ዓዶም ክፋነው እንከለዉ፣ እቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ ዘለዉ’ሞ ንመሐደሲ መንበሪ ፍቓድ ዓቕሚ ዝሓጸሮም ከኣ፣ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ፊናንስያዊ ድጋፍ ከምዝገበረሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 

መንበሪ ፍቓዱ ዘየሐደሱ ዜጋታት ኢትዮጵያዊ፣ ብፖሊስ ኣብ ዝተሓዘሉ እዋን ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 5 ሽሕ ናቕፋ ከምዝቕጽዑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የረጋግጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣዋጅ፣ ነቶም ልዕሊ 50ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተቐመጡ ኢትዮጵያውያን’ውን ከይተረፈ ከምዝጸሉ ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ምስ ምውላዕ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ኣብ ምፍናው፣ ብሰንኪ’ቲ ኵናት ዝተበታተኑ ስድራቤታት መልእኽታት ኣብ ምልውዋጥን ደሃይ ናይ ዘጥፋኡ ከኣ ኣብ ምድላይን ምርኻቦምን ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ይርከብ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብን ናብን ኤርትራ 1500 ስድራቤታት ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሓበሬታ ክለዋወጡ ከምዝኽኣሉ’ውን እቲ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ የመልክት።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ኣብ ምኹዓት ዒላታት፣ ኣብ ምክንኻን እንስሳ ዘቤትን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብን ይነጥፍ ከምዘሎ ይሕብር።

NB: ስእሊ ካብ ኣርካይቭ ICRC

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0