ኢጣልያ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ተማርር

ኢጣልያ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ተማርር

Radio Erena: February 7, 2014

Italy refugee

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ማልታን እናተዓጻጸፈ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢጣልያ እቲ ዋሕዚ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑዎ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጥሪ ጥራይ 2156 ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባህሪ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ዝሓበረ መንግስቲ ኢጣልያ ምስ ናይ ዓሚ ክወዳደር እንከሎ ብ ኣስታት 10 ዕጽፊ ከምዝዛየደ ኣረዲኡ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ኢጣልያ ዝኣተው ስደተኛታት 217 ጥርይ ከምዝነበሩ ብምዝኽካር ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብድምር ክርአ እንከሎ እቲ ዋሕዚ ብ325 ሚእታዊት ከምዝንሃረ የመልክት።

ኢጣልያ፣ ድሕሪ’ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ ሓይሊ ባሕሪ ብምውፋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከተድሕን እኳ እንተኸኣለተ፣ ስደተኛታት እትቕበለሉ መዓስከራት ግና ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝጎደሎ’ዩ ብምብላ ክትንቐፍ’ያ ጸኒሓ።

ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ፊሊፖ ቡቢኮ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኢጣልያ ነቲ ጉዳይ ተጻርዮ ምህላዋ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣብ ሲሲልያን ላምፔዱሳን ዝርከብ ግዝያዊ መዓስከራት ምምሕያሽ ክትገብረሉ ምዃና ኣገንዚቡ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0