ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ሊብያ ኤምባሲ ትኸፍት

Radio Erena: 12 January 2017

Italian Embassy

ኢጣልያ፣ ከም ኣካል ናይቲ ምስ ሊብያ እተካይዶ ዘላ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ስምምዓት፣ ካብ 9 ጥሪ ኣትሒዛ ኣብ ትሪፖሊ ኤምባሲ ትኸፍት ምህላዋ ተሓቢሩ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፣ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ፣ ሃገሩ፣ ነቲ ሊብያ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንምቁጽጻር እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ብሓባር ክምክትኦ ምዃነን ኣስሚርሉ።

ኢጣልያ፣ ኣብ ሊብያ ኤምባሲ ዝኸፈተት እንኮ ምዕራባዊት ሃገር ኮይና ኣላ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፣ ማርኮ ሚኒቲ’ውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ሊብያ ዑደት ብምክያድ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ናይቲ ብፕረዚደንታዊ ባይቶ ዝምራሕ መንግስቲ ሊብያ ተዘራሪቡ።

 ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ብዘይካ’ዚ ምስ ሊብያ ዘካይድዎ ዘለዉ ዝተፈላለየ ስምምዓት፣ ምስ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ርክባት የካይዱ ኣለዉ።

ብዋሕዚ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ኢጣልያ፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2016፣ 176, 554 ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝመጽእዋ ትሕብር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢጣልያ፣ “ዕሉል ኣሰጋጋሪ ስደተኛታት’ዩ” ብምባል ብጌጋ ቀይዳቶ ንዘላ መድሃኔ ተስፋማርያም ክትለቆ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

እዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረ ሰብ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት፣ መድሃኔ ተስፋማርያም፣ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ተራ ስደተኛ ምዃኑን፣ ፖሊስ ሱዳን ብጌጋ ናይ ስም፣ ናብ ኢጣልያ ከምዘረከብዎ ብሰነዳት ተሰንዩ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፖሊስ ሱዳን፣ ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ መርእድ’ዩ ብዝብል ብጌጋ፣ መድሃኔ ተስፋማርያም ንዝተባህለ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝሓለፈ ዓመት ንኢጣልያ ከምዘረከቡ ኣይርሳዕን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0