ኢጣልያ፣ ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ኣብ ልዕሊ ዝሰጎጎቶም ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎነጽ ትጥቀም ምህላዋ ትውቀስ

ኢጣልያ፣ ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ኣብ ልዕሊ ዝሰጎጎቶም ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎነጽ ትጥቀም ምህላዋ ትውቀስ

Radio Erena: 24 August 2017

Italy Immigration

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ዝሰጎጎም ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብቲ ዝሓድርሉ ጎደናታት ንምብታኖም’ውን ጎነጽ ይጥቐም ምህላዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቶም።

እቶም ብቀዳም፣ 19 ነሓሰ ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ዝተሰጉ ነፍሰ ጾራት ደቂንስትዮ፣ ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ብዘይዝኾነ መጽለሊ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ፒያዛ ኢንደፐንደንዝያ’ዮም ተደብርዮም ዘለዉ።

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ነቶም ብዘይመጽለሊ ዝተረፉ ስደተኛታት ካብ ጎደናታትን ሜዳ ፒያዛ ኢንደፐንደንዝያ ንምብታኖም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሒት፣ ማይ ብናህሪ ዝሕምብባ መካይን መጥፋእቲ ሓዊን ኣባትርን ከምዝተጠቕሙ ዘመልከቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰለማውያንስ አባት ጎነጽ ምጥቃሙ ኮኒኖም።

ኢጣልያ፣ ኣብ ሓደ ኣረጊት ህንጻ ከተማ ሮማ ተዓቝቦም ንዝጸንሑ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት፣ ብቀዳም 19 ነሓሰ ብሓይሊ ናብ ግዳም ከምዝሰጎገቶም ዝዝከር’ዩ።

እቶም ስደተኛታት ካብቲ ህንጻ ድሕሪ ምስጓጎም ናብ ዝኸድዎ ስለዝሰኣኑ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ናብ ዝርከብ ሜዳ ፒያዛ ተኣኻኺቦም ክሓድሩ’ዮም ጸኒሖም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0